ማእከላት ምኽሪ

ገለ ማእከላት ምኽሪ፡ ንሓፈሻዊ ሕቶታት ክምልሳ እንከለዋ፣ ካልኦት ከኣ ኣብ ፍሉይ ጉዳያትን ኣርእስትታትን መዳያት ህይወት፡ ሞያዊ መልሲ ይህባ። እቲ ኣቅርቦት ኣገልግሎት ከከም ከባቢኡ ይፈላለ። ብሕጊ እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ብዘይክፍሊት'ዩ። እቲ ካልእ ዝበዝሐ'ውን ከምኡ። ብዙሓት ማእከላት ምኽሪ ብናይ ወጻኢ ቋንቋ ኣገልግሎት ይህባ'የን።

ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት

ከባብያዊ መወከሲ ቦታት/ነቁጣታት ምውህሃድ (AI) (Ansprechstellen Integration | antennes d'intégration) ማእከላት ምኽሪ ስደደተኛታት'የን። ሰራሕተኛታት'ዚ መወከሲ ቦታታት/ንቁጣታት፡ ንሓፈሻዊ መዓልታዊ ህይወት ስዊዘርላንድ ዝምልከት ሕቶታት ይምልሱን ሞያዊ ምኽሪ ዝህቡ ትካላት ንክትረኽቡ ይሕግዙን። ብዘይካ'ዚ ሰባት ምስ ደረጃ ብቅዓቶምን ክእለቶምን ዝኸይድ ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ንክረኽቡን ዕድላት ኣቅርቦት ምውህሃድ ንክፈልጡን ይሕግዙ። ቆጸራ ብምሓዝ (ብተለፎን ወይ ብኣካል) ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣገልግሎት ምኽሪ ናይ ምርካብ ዕድል'ውን ኣሎ። ብተወሳኺ ብዘይ ቆጸራ ናብ'ዚ ማእከል ብምኻድ መሰረታዊ ሓብሬታ ክርከብን ካልእ ቆጸራ ክተሓዝን ይከኣል። ዝወሃብ ሓበሬታን ምኽርን ብነጻ'ዩ። ኣብ ጎድኒ'ዚ ማእከላት ሓፈሻዊ ምኽሪ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ብዝተወሰነ ቋንቋታት ወጻኢ ሓላፍነት ወሲዶም ኣገልግሎት ዝህቡ ኣለዉ። ነዚ ማእከላት ዝምልከት ሓብሬታ ካብ መወከሲ ቦታታት/ንቁጣታት ምውህሃድ እትነብሩሉ ከባቢ (AI) (Ansprechstellen Integration | antennes d'intégration) ክትረኽቡ ትኽእሉ። ማሕበራት ስደተኛታት'ውን ብእትፈልጦ ቋንቋ መሰረታዊ ሓብሬታ ንምርካብ ኣገደስቲ ቦታታት'የን።

ናይ ከባቢ ምምሕዳር / ናይ ከተማ ምምሕዳር

ኣብ ብዙሕ ኩነታት፡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እትነብሩሉ ከባቢ/ ከተማ (Gemeindeverwaltung | administration communale, Stadtverwaltung | administration municipale) ቀዳማይ መወከሲ ቦታ'ዩ። ሰራሕተኛታት'ቲ ቤት ጽሕፈት ንእተቅርቡሎም ሕቶታት ብቀጥታ ይምልሱ ወይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ይመርሑ። ኩሎም ምምሕዳር ከባቢታት ካንቶን በርን ናይ ገዛእ ርእሶም መርበብ ሓብሬታ ኣለዎም። ኣብ'ቲ መርበብ ሓብሬታታት፦ ኣብ ስራሕ ክትረኽቦም እትኽእለሉ መዓልታት፡ ሰዓታትን ካልእ ሓብሬታታትን ይርከብ። ገለ ካብኦም ከኣ ዕድላት ኣቅርቦት ምውህሃድን ኣገልግሎት ምኽሪ ዝወሃበሉ ኣገባብን ይሕብሩ።

ፍሉይ ሞያዊ ክእለት ዘለዎም ናይ ምኽሪ ማእከላት

ኣብ ካንቶን በርን በብዓውዱን መዳያት ናብራን ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህቡ ዝተፈላለዩ ማኣከላት ኣለዉ። ካብኡ ኣብነት ንምጥቃስ፦ ዕድመ፡ ስራሕ፡ መንበሪ፡ ትምህርቲ/ስልጠና፡ መርዓ/ ፍትሕ፡ ምዕባይ ቆልዓ፡ ስድራቤት፡ ፋይናንስ( ዕዳን/ባጀትን)፡ ጥዕና፡ ዘቤታዊ ጎነጽ/ግጭት፡ ምውህሃድ፡ ስነ-ኣእምሮእዊ ሽግር፡ ክንክን ህጻን፡ ጥንስን ሕርስን፡ ጾታዊ ርክብ፡ ወልፊ፡ ማሕበራዊ ሕቶታት። እቲ ዕድላት ኣገልግሎት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ። ምናልባት ኣብ ዘሎኹሞ ከባቢ፡ ዕድል ኣገልግሎት ምስ ዘይህሉ፣ ዝበዝሑ ወህብቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣብ በርን፡ ቱንን ቢልን ማእከላት ኣገልግሎት ምኽሪ ኣለዎም። ኣብ ቀዳማይ እግሪ ዝወሃብ ኣልግሎት ምኽሪ ብነጻ'ዩ። ኣኣብ መዳያቱ ዝወሃብ ኣገልግሎ ምኽሪ ዝምልከት ዝርዝራዊ ሓብሬታታት በብዓውድታቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ bern.ch ይርከብ። ብተወሳኺ ኣብ ከባብያዊ መወከሲ ዕድላት ኣቅርቦት ምውህሃድ (AI) (Ansprechstellen Integration | antennes d'intégration) ክርከብ ይከኣል፣ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝነብሩሉ ኣከባቢ ክሓቱ ይኽእሉ ። ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዘይክእሉ ሰባት ዝትርጉም ክረኽቡ ዘኽእል ዕድል ክረኽቡ፡ ኣቀዲሞም ክሓቱን ክሕብሩን ኣለዎም። ብኻልእ ቋንቋታት ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዕድል ክህሉ ይኽእል። ወይ'ውን ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝትርጉም ክቅርቡ ወይ ተገልገልቲ ዝትርጉም ሒዞም ክመጽኡ ክሕብርዎም ይኽእሉ።

ዓሌታዊ ኣድልዎ

ክልተ ማእከላት ምኽሪ፡ ንካንቶን በርን ብምውካል ነጻን እሙንን ኣገልግሎት ንኩሎም ነበርቲ ካንቶን በርን ይህባ። ግዳይ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝኾኑ ሰባት ካብ ማእከል ሒጋዊ ምኽሪ ንጽጉማት ሰባት በርን፡ ሕጋዊ ምኽሪ ይረኽቡ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከኣ ካብ (ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎን ወጽዓን ብሓባር) ውልቃዊ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፡ ኣብ ግዜ ግጭት ጣልቃ ዝኣቱን መንጎኛ ኮይኑ ዝዓርቅን ኣማራጺታት ይቅረብ።

ማእከላት ምኽሪ ንደቂ ኣንስትዮ

ኣብ ካንቶን በርን፡ ብርክት ዝበለ መወከሲ ቦታታት/ንቁጣታት ንደቂ ኣንስትዮ ኣለው። እቲ መወከሲ ቦታታት ኣብ ሓያሎ ውልቃዊ ወይ ሕጋዊ ሕቶታት ምኽርን ሓበሬታን ይህብ። እቲ ማእከላት ምኽሪ ከከም ዓውድታት ስርሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ኣገልግሎት ምኽሪ ምሃብ'ዩ። ኣብ'ዚ ዝስዕብ ኣርእስታት ኣተኲሩ ኣገልግሎት ይህብ፦ መርዓ/ሓዳር፡ ምጽማድ፡ ምፍልላይ፡ ፍትሕ፡ ሞግዚትነት፡ ባጀት፡ ጥሮታ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን፡ ናይ ዕረፍቲ ፍቓድ ኣብ ግዜ ወሊድ፡ መሰል ሰራሕተኛ፡ መሰል ተኻራያይ፡ ሓፈሻዊ ኩንትራትን፡ መሰልን ግዴታን መቅጻዕትን።