ማሕበራዊ ሓገዝ(ደገፍ)

ማሕበራዊ ደገፍ ሓገዝ ነቶም ብህይወት ንምንባር ሒደት ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ወይ ካብ ማሕበራዊ መድሕን ፈጺሞም ገንዘብ ዘይወስዱን ወይ ውሑድ ገንዘብ ዝወስዱን ይሕግዞም። እቲ ዕላማ ሰባት ኣብ ሓጺር እዋን ባዕሎም ነብሶም ክኣልዩ ንክኽእሉ እዩ። እዚ መድሕን ዘይኰነስ ካብ መንግስቲ ዝግበር ደገፍ እዩ ።

ማሕበራዊ ሓገዝ(ደገፍ)

ማሕበራዊ ሓገዝ/ደገፍ (Sozialhilfe | aide sociale) ንኹሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ እተጸገሙ/እተሸገሩ ሰባት ይድግፎም እዩ። ነቲ ዝተሓተ ዋጋ መነባብሮ ዘድሊ እውን ይሽፍን እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍ ምኽሪ እውን ይህብ እዩ። ዕላማኡ ሰባት ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ብቝጠባዊ መዳይ ብነብሶም ክመሓደሩ እዩ (ቍጠባዊ ናጽነት ንክረኽቡ እዩ)። ማሕበራዊ ደገፍ ንእኹል ሓገዛት ካብ ካልእ ወገን ዝረኽቡ፡ ንኣብነት ካብ ስራሕ ኣልቦነት፡ ናይ ጥሮታ ዝወስዱ፡ ካብ ዘመድ ሓገዝ ዝረኽቡን ኣይሕግዝን እዩ። ዕዳ እውን ኣይከፍልን እዩ። ሓደ ሰብ እኹል ገንዘባዊ ሃብቲ ምስ ረኸበ እቲ ገንዘብ ክመልሶ/ክኸፍሎ ኣለዎ ። ማሕበራዊ ደገፍ ብከፈልቲ ግብሪ እዩ ዝምወል።

ማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣመልከት(ሕተት)

ማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ ከመልክት ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Sozialdienst | service social) ምምሕዳር ከተማ (ከባቢ) ክራኸብ ኣለዎ። ማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ ከመልክት ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ ከባቢ ክራኸብ ኣለዎ። ኣብኡ ኣታዊኻን ሃብትኻን ክትነግር ኣሎካ። ድሕሪኡ እቲ ሕቶ/መሰል ይምርመር።እቶም ሰበስልጣን መጠንን ዓይነትን ደገፍ በብውልቂ ይውስኑ። ሓቅነት ዘይብሉ ዘረባ እተዛረበ ወይ ገለ ነገር ዝሓብእ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል እዩ(ክቕጻዕ ይኽእል)። ማሕበራዊ ኣገልግሎት መምርሒ ክህብን ኩነታት ከገድድን ይኽእል እዩ ። ሓደ ሰብ ነዚ እንተ ዘይፈጺምዎ ረብሓታቱ ክንኪ ይኽእል እዩ ። ኣብቲ ምኽሪ ዚወሃሃበሉ እዋን ምክፋል ግዴታ እዩ። ነቲ ጸገም ባዕልኻ ንምንካይ ዝከኣለካ ክትገብር ኣሎካ ።