ግድነታዊ(መሰረታዊ) ትምህርቲ

ግድነታዊ (መሰረታዊ) ትምህርቲ ንቆልዑ ናብ ተወሳኺ(ዝለዓለ) ትምህርቲ ከቐጽሎም ወይ ከእትዎም ዘኽል መሰረታዊ ትምህርቲ ይህብ። ህዝባዊ(መንግስታዊ) ኣብያተ ትምህርቲ ብናጻ(ብዘይክፍሊት) ትምህርቲ ይህባ።

ምዝገባ ቆልዓ/ተማሃራይ

ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ንህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብሓላፍነት የመሓድርዎ(የካይድዎ)። ንቆልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ክምዝገብ ኣብ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ሕተቱ ወይ ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ሕተቱ/ተወከሱ።

ደረጃታት ትምህርቲ

ግድነታዊ(መሰረታዊ) ትምህርቲ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ደረጃታት ይኽፈል፡

  • ቀዳማይ ደረጃ ንመዋእለ ሕጻናትን (Kindergarten | Ecole infantine) ነተን ቀዳሞት ክልተ ዓመት ናይ መባእታ ቤት ትምህርትን ዘጠቓለለ እዩ (Primarschule | Ecole primaire)። መዋአለ ሕጻናት መብዛሕትኡ ግዜ 2 ዓመት እዩ ዝወስድ። ብተወሳኺ ሓደ ሞዴል መሰረታዊ ደረጃ ዝበሃልውን ኣሎ (Basisstufe | Cycle élementaire)። ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ብሓባር ይመሃሩ።
  • ማእከላይ ደረጃ ካብ ን3ይ ክሳዕ 6ይ ክፍሊ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዘጠቓለለ እዩ። ቤት ትምህርቲ ንወለድን ተመሃሮን(ቆልዑን) ኣብ 5ይ ክፍሊ ብዛዕባ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምትሕልላፍ መስርሕ ይሕብሮም።
  • ላዕለዋይ ደረጃ (ጁንየር) (Sekundarstufe I | Degré secondaire I) 3 ዓመት ይወስድ። ኣብ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ሰለስተ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ኣሎ (ሪል ሹለ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ኣብ ገለ ምምሕዳራት ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣሎ)። እዚአን ዝተፈላለየ ናይ ብቕዓት መለኪዕታት(ኣሰራርሓ) ኣለውን።

  • ጀርመን ወይ ፈረንሳይ ዘይዛረቡ(ዘይመልኩ) ቆልዑት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ፍሉይ ደገፍ ይወሃቦም እዩ።
  • ብዛዕባ ግዴታዊ ትምህርቲ ዝገልጽ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ኣብ ዝተፈላለየ ብሮሹራት ክርከብ ይከኣል እዩ።

ህዝባዊ(መንግስታዊ) / ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ህዝባዊ(መንግስቲዊ) ኣብያተ ትምህርቲ ብናጻ ይምህራ። ኣወዳትን ኣዋልድን ብሓባር ኣብ ሓደ ክፍሊ ይመሃሩ። ትምህርቲ ካብ ጸግዒ እምነት(ሃይማኖት) ነጻ እዩ። መብዛሕትኦም ቆልዑን መንእሰያትን ግዴታዊ ትምህርቶም ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ይዛዝሙ (95 %)። ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ኣሎ። ወለዲ ንደቆም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምህርዎም እንተደልዮም መብዛሕትኡ ግዜ ወጻኢታቶም ባዕሎም ክኸፍልዎ(ክሽፍንዎ) ኣለዎም።

መሰላትን ግዴታትን(ግቡኣትን) ወለዲ

ቤት ትምህርቲ ንወለዲ ብዛዕባ ውዕሎ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ውሉዶም(ደቆም) ክሕብሮም ግዴታ ኣለዎ። ነዚ ዕላማ እዚ ዝርርብ ቤት ትምህርቲ( ኣብ መንጎ መምህራንን ወለድን)፡ መዓልቲ ወለዲን ( ሓበሬታ ቤት ትምህርቲ ንወለዲ/ወለዲ ምሸት ) ከምኡውን ናይ ሓበሬታ ፍጻመታት ክካየድ ይግበር እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንወለዲ ግድነት እዩ። ክልቲኦም ወለዲ ክሳተፉ ዘይክእሉ ተኾይኖ ክሕብሩ ኣለዎም። ግን ከኣ ወለዲ ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዝረኽብዎ'ውን ክሓቱ ኣለዎም። ኣገዳሲ ውሳነታት (ንኣብነት፡ ምሕላፍ ናብ ማእከላይ ደረጃ ) ምስ ወለድን ውሉድን(ተመሃራይን) ይዝተየሉ እዩ። ወለዲ ንውሉዶም ኣዘውቲሩ ትምህርቲ ከም ዝመሃር ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም። ቆልዑ(ተመሃሮ)ትምህርቲ ክመሃሩ ዘይክእሉ እንተ ኾይኖም (ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም) ወለዲ ንቤት ትምህርቲ ክሕብሩ ኣለዎም። ብዘይካዚ ደቅኹም ዕዮ ገዛ ክዓዩ ወይ ንፈተና ክዳልዉ እንተ ደልዮም ኣብ ቤቶም ህድእ ዝበለ ቦታ ከም ዘለዎም ከተረጋግጹ ኣለኩም። ወለዲ ንዕዮ ቤት ትምህርቲ ኣዘውቲሮም ብምክትታልን ተገዳስነት ብምርኣይን ንደቆም ክድግፍዎም ይኽእሉ እዮም። ንስርዓት ትምህርቲ ስዊዘርላንድ ንዘይተላለይዎ(ንዘይፈልጥዎ) ሰባት ብጀካ ብጀርመን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝወሃብ ፍሉይ ናይ ሓበሬታ ርክብ/መደብ ኣሎ።

ሕቶታት /ደገፍ ሓገዝ

ወለዲ ብዛዕባ'ቲ ቤት ትምህርቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዎም ፈለማ ምስ መምህር (ሓላፊ ክፍሊ) ክራኸቡ ኣለዎም። ወለዲ ደገፍ(ሓገዝ) ዘድልዮም እንተ ኾይኑ'ውን እቲ መምህር ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ እቲ መምህር ነቶም ወለዲ ፈለማ(ኣቐዲሙ) ይውከሶም እቲ ውሉድ ገለ ነገር ከም ዘድልዮ ወይ ገለ ሕቶታት ከም ዘሎ ኮይኑ እንተ ተሰሚዕዎም። ብሓፈሽኡ ወለዲ ምስ መምህራን ክራኸቡን ምሳኣቶም ብቐረባ ክዓዩን(ክሰርሑን) ኣድላይ እዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ወይ ማሕበራዊ ጸገማት ከጓንፈኩም ከሎ ትምህርታዊ ኣማኻሪ ንቘልዑን ንወለዶምን ብናጻ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ (Erziehungsberatung | Service psychologique pour enfants et adolescents)።