ፍቓድ ምምራሕ መኪና (ተሽከርከርቲ)

ኣብ ስዊዘርላንድ መኪና ወይ ሞተር ብሽክለታ(ቱግቱግ) ንኽትመርሕ(ንኽት ዝውር) ግቡእ ፍቓድ መምርሒ መኪና የድልየካ። ናይ ወጻኢ(ደገ) ፍቓድ መምርሒ መኪና ናብ ስዊዘርላንድ ምስ ገዓዝካ(መጻኻ) ክቕየር ኣለዎ።

ፍቓድ ምምራሕ መኪና ናይ ወጻኢ(ናይ ደገ)

ፍቓድ ምምራሕ መኪና ዘለዎ (Führerausweis | Permis de conduire) ናብ ስዊዘርላንድ ዝገዓዘ(ዝመጸ) ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ 12 ወርሒ ናብ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ስዊዘርላንድ ከቐይሮ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ናብ ናይ ካንቶን ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ ምድሪ (ቤት ጽሕፈት ትራፊክ) (Strassenverkehrsamt | Office de la circulation routière) ሕቶ(ጥርዓን) ክኣቱ (ክቐርብ) ኣለዎ። ፍቓድ ምምራሕ መኪና ካበይ ሃገር ከም ዝመጸ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈላለየ መምሪሒታት ነቲ ምቕያር ይስርሓሉ። ምናልባት ፈተና ምምራሕ መኪና የድሊ ይኸውን ወይ እቲ መራሕ መኪና ነቲ ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና (ናይ ጽሑፍ) ክፍትኖ የድሊ ይኸውን። ኣብ ካንቶን በርን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ ምድሪ ተወሳኺ ሓበሬታ ክይህብ ይኽእል እዩ።

መርመራ(ፈተና) ምምራሕ መኪና

ኣብ ስዊዘርላንድ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ንምርካብ መርመራ(ፈተና) የድሊ። እቲ ፈተና ምምራሕ መኪና ክልሰ-ሓሳባውን ግብራውን እዩ። ልዕሊ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥራይ እዮም ናብ ክልሰ-ሓሳባዊ መርመራ(ፈተና) ዝኣትዉ። እዚ ክልሰ-ሓሳባዊ መርመራ(ፈተና) ኣብ ካንቶን በርን ብጀርመን፡ ብፈረንሳይ፡ ብጣልያን፡ ከምኡውን ብእንግሊዝ ክግበር ይከኣል እዩ። ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ ምድሪ (ቤት ጽሕፈት ትራፊክ) ብዛዕባ እቲ ዘድሊ ቅድመ ኩነትን ልክዕ ኣሰራርሓን ይሕብር እዩ። ዓበይቲ ማካይንን(ላስትቫገን) ኣውቶቡሳትን ታክሲታትን ንምዝዋር ፍሉይ መርመራ(ፈተና) የድሊ።