ስርዓት ማሕበራዊ ድሕንነት

ተቐማጦ(ነበርቲ) ስዊዘርላንድ ካብ እተፈላለየ ሓደጋታት ብማሕበራዊ ድሕነት ይሕለዉ እዮም ። ንኣብነት ትካላት መድሕን ሓደ ሰብ ካብ ስራሕ እንተ ወጺኡ ወይ እንተ ሓሚሙ ይሕግዛ እየን። ብተወሳኺ ንስድራ ቤታትን ንኣረጋውያንን እውን ይድግፈ ኦም እየን ።

መሰረታዊ ስርዓታት/ሕጋጋት

ማሕበራዊ ድሕነት(መድሕናት) ብተቐማጦ ስዊዘርላንድ እዩ ዝምወል። መሰረታዊ ስርዓት ሓድነት (Solidaritätsprinzip | principe de solidarité) ነዚ ዝስዕብ ይዓይ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ተቐማጦ ገንዘብ ክኸፍሉ ከለዉ ውልቀ ሰባትን ገለ ጕጅለታትን ግን ደገፍ ይረኽቡ። ማሕበራዊ ድሕነት መብዛሕትኡ ግዜ ግዴታ እዩ። እቲ ክፍሊት/ውጽኢት/ ካብ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብቐጥታ ይቑረጽ። ከምኡውን ኣስራሕቲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ዘለዎም ከምኡውን ብዙሕ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ገንዘባዊ ውጽኢት ይገብሩ እዮም።

ኣገልግሎታት(ረብሓታት)

ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ገለ ኩነታት(ጸገማት) ህይወት ንዝርከቡ ሰባት ይድግፈኦም እየን። መዓልታዊ ገንዘብ ፡ ናይ ጡረታን ውዕለትን ክፍሊት ይኸፍሉ ወይ ሕማም ወይ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ ዝተወሰነ ወጻኢታት ይሽፍኑ። ኩለን ማሕበራዊ መድሕናት ብመንግስቲ እየን ዝመሓደራ።

ሰባት መዓስ ደገፍ ይረኽቡ ፧

  • ብዕድመ ምስ ደፋእካ(ግዜ እርጋን)፡ ኣብ ግዜ ሞትን ስንክልናን (3 የዕኑድ/3 Säulen: AHV/IV|AVS/AI, berufliche Vorsorge, private Vorsorge)
  • ኣብ ግዜ ሕማምን ሓደጋን (Kranken- und Unfallversicherung|Assurance maladie et accident)
  • ኣብ ኣብ ግዜ ሕርሲ (Mutterschaftsentschädigung|Allocation de maternité)
  • ኣብ ግዜ ሽቕለት/ስራሕ ኣልቦነት (Arbeitslosenversicherung|Assurance chômage)
  • ውሉዳት እንተ ሃልዩካ (Familienzulagen|Allocations familiales)