ናይ ህጹጽ እዋን ቴሌፎናት

ናይ ህጹጽ እዋን ቴሌፎናት ወትሩ ን24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ውሑድ ቁጽሪ ( 3 ኣሃዛት) ዘለዎ ቴሌፎናት ኩሉ ግዜ ብነጻ ይድወሎ። ካልእ ቁጽርታት ብልሙድ ታሪፍ ይድወለሉ።

ናይ ሓፈሻዊ ህጹጽ እዋን ቴሌፎን: 112

እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ቴሌፎን፡ ምስ ቴሌፎን ማእከል ህጹጽ እዋን ፖሊስ የራኽብ። ፖሊስ ከኣ ከከም ኩነታቱ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት፡ መጥፋእቲ ሓዊ)

ፖሊስ: 117

እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ቴሌፎን ቀጥታ ምስ ፖሊስ ማእከል ህጹጽ እዋን የራኽብ።

ምክልኻል ባርዕ ሓዊ: 118

እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ቴሌፎን'ዚ ምስ ማእከል ምጥፋእ ሓዊ የራኽብ።

ቀዳማይ ረድኤት / ኣገልግሎት ኣምቡላንስ: 144

እዚ ቁጽሪ'ዚ፡ ምስ ማእከል ቀዳማይ ረድኤትን ኣምቡላንስን የራኽብ። ዘጋጠመ ኩነታት ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮን ክብደቱ ኣምቡላንስ ዘድልዮ ምስ ዝኸውንን፡ ናብ ቁጽሪ 144 ብምድዋል ህጹጽ ሓገዝ ይጥለብ። (ንኣብነት፡ ኣብ ግዜ ከቢድ ሓደጋ)። ናይ መድሃኒት ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ፡ ፈለማ ንሓኪም ስድራ ቤትኩም/ ሓኪምኩም ምውካስ የድሊ። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ፡ ገለ ሓካይም ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ይህቡ። መራኸቢ ህጹጽ እዋን ቴሌፎኖም ካብ ሓኪም ስድራ ቤትኩም/ሓኪምኩም ወይ ባዕሉ ካብ ዝምልሽ ማሽን ክትረኽብዎ ትኽእሉ። ብዘይካ'ዚ ናብ ናይ ካንቶን ቴለፎን ህጹጽ እዋን 0900 576 747 ( ኣስተውዕሉ፡ ንሓደ ደቒቕ፡ 1.98 ፍራንክ ይኽፈሎ) ምድዋል ይከኣል። ኣብ'ዚ ሕክምናዊ ምኽሪ ይወሃብን ኣብ ቀረባኹም ኣብ ዘሎ ሓኪም ወይ ሕክምና የመሓላልፍን። ባዕልኹም ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከብ ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና ወይ ሆስፒታል እውን ክትፍትሹን ክተከዱን ትኽእሉ ኢኹም።

ቤት መድሃኒት ህጹጽ እዋን

ኣብ ርእሲ'ተን ኣብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣገልግሎት ዝህባ ኣብያተ መድሃኒት፣ ካብ ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ዝህባ ከባብያዊ ኣብያተ መድሃኒት ኣለዋ። እዘን ኣብያተ መድሃኒት ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ናይ ዝህብኦ ኣገልግሎት የኽፍላ'የን። (ንኣብነት ኣገልግሎት ለይቲ) ። ኣብ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ዝህባ ኣብያተ መድሃኒት፡ ሽዑ ንእለቱ ክኽፈለን ይግባእ።

ሓኪም ስኒ ህጹጽ እዋን

ስኒ ዝጐድእሓደጋ ወይ ልዕሊ ዓቅሚ ዝኾነ ቃንዛ ኩርምቲ ምስ ዘጋጥም፣ ካብ ናይ ንቡር ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኣገልግሎት ዝህቡ ሓካይም ስኒ'ውን ኣለዉ። እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ፡ ኣብ መንጎ ሰዓታት 20፡00 - 07፡00 ምስ ዝኸውን ተወሳኺ ክፍሊት ኣለዎ። ኣገልግሎት ክትረኽቡ ኣብ እትድውሉሉ ክፍሊት ክንደይ ምዃኑ ሕተቱ። ንእለቱ ከኣ'ዩ ዝኽፈል።

ምምራዝ: ናይ ህጹጽ መድዋል: 145

መርዚ ዝሰተኹም ወይ ዝተበከለ ዝበላዕኩም ኮይኑ ምስ ዝስመዓኩም፡ ኣብ'ዚ ቴሌፎን ብምድዋል ሓገዝ ሓኪምን ሰብ ሞያን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ግዜ ምምራዝ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ከረድኡኹም'ዮም። እንተኾነ ንሂወት ኣስጋኢ ምስ ዝኸውን ብቅልጡፍ ናብ 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ መርበብ ሓብሬታ ኢንተርነት ብዛዕባ ምምራዝ ወይ ምብካል ብዙሕ ሓበሬታ ይርከብ።

ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ምኽሪ ዝረኽቡሉ ቴሌፎን: 143

"ቁጽሪ ቴሌፎን 143" (ድሉው ኢድ , Dargebotene Hand) ብዛዕባ ጸገሞም፡ እንታይነቱ ብዘየገድስ፣ ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረቡን ክመያየጡን ንዝደልዩ ሰባት (ብቋንቋታት ጀርመን፡ ፈረንሳይ፡ ጥልያን) የገልግል። ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታትን ኣብ ካልእ ዝኾነ እዋን ኣብ ግዜ ሻቕሎትን ናብ'ዚ ቁጽሪ'ዚ ክድውሉ ይኽእሉ። ኣብ'ዚ ዝግበር ዝርርብ፡ ምስጢሩ ዝዕቀብን ዘተኣማምንን'ዩ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ሰባት ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ምኽርን ሓበሬታን ይወሃቦም። ብተወሳኺ ብመልክዕ መልእኽቲ ኢመይልን ቀጥታዊ ምጽሕሓፍ (ቻት) ክኸውን ይኽእል።

ቴሌፎን ምኽሪ ንቆልዑ / መንእሰያት: 147

ቁጽሪ ቴሌፎን 147፡ ንቆልዑን መንእሰያትን፡ ከከም ጸገማቶም ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ከራኽብ (ብቋንቋታት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ወይ ጣልያን) ዘኽእል ኢዩ። ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ወይ ኣጸጋሚ ኩነታትን ካልእ እዋንን በዚ ክድወል ይከኣል። በዚ ቁጽሪ ቴሌፎን ዝርከቡ ክኢላታት ን24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህቡ። እቲ ዝግበር ዝርርብ ምስጢሩ ዝተዓቀበን ዘተኣማምንን'ዩ። ብተወሳኺ ብመልክዕ መልእኽቲ ኢመይል ወይ ኤስኤምኤስ "SMS" ወይ'ውን ብቀጥታዊ ምጽሕሓፍ ክኸውን ይኽእል።

ናይ ወለዲ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 0848 35 45 55

በዚ ንወለዲ ዘገልግል ቴሌፎን ህጹጽ እዋን፡ (Elternnotruf | Urgence Parents)፡ ክኢላታት ንወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝምልከት ሕቶታት ዝምልሱሉ ኢዩ። ኣብ'ዚ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ ወይ ልዕሊ ዓቕሞም ዝእዝዝዎም ዘለዉ ኮይኑ ምስ ዝስምዖም፣ ወይ ካብ ካልኦት ቆልዑት ዝተሓቱ ኮይኑ ምስ ዝስምዖም፣ ብሓፈሻ ንደቆም ወይ ብዛዕባ ካልኦት ዝምልከት ሞያዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ። ሰባት በ'ዚ ቴሌፎን'ዚ ደቆም ወይ ካልኦት ግዳያት ስነ-ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ዝኾኑ ምስ ዝመስሎም ክውከሱ ይኽእሉ። እቲ ዝግበር ዝርርብ ምስጢሩ ዝተዓቀበን ዘተኣማምንን'ዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብመልክዕ መልእኽቲ ኢመይል'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ። እንተኾነ በዚ ቴሌፍን'ዚ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣይርከብን'ዩ።

ዘቤታዊ ዓመጽ/ ጎነጽ ( ደቀንስትዮ) : ቀጥታዊ ኣገልግሎት 24 ሰዓታት፦ 031 533 03 03

ብ በርን፡ ቢልን ቱንን ዝርከብ መዕቆቢ ደቀንስትዮ (Frauenhaus | Maison des femmes)፡ ንግዳይ ዘቤታዊ ጎነጽ/ዓመጽ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣገግሎት ምኽሪን ሓገዝን ይህብ። መቕርብን ክኢላታትን'ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ክውከሱ ይኽእሉ'ዮም። ምስጢር'ቲ ዝካየድ ዝርርም ዝተዓቀበን ዘተኣማምንን'ዩ። እቲ ሓብሬታ ብመልክዕ መልእኽቲ ኢመይል'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ። ዜበታዊ ዓመጽ/ጎነጽ ዘጋጠሞም ደቂ ተብዓትዮ'ውን ሓገዝ ክረኽቡሉ ይኽእሉ'ዮም። ንዘቤታዊ ዓመጽን ጎነጽን ዝምልከት፡ ወላ'ውን ንግዳያት ዝኾኑ ደቂ ተብዓትዮ ከይተረፈን ንካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስትታት ከም መጻምድቲን ቆልዑትን > ግጭት ኣገልግሊት ምኽሪ ናይ ዝህቡ ተወሳኺ ዝርዝር ኣድራሻታት ክርከብ ይከኣል።