ምምሃር ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ

ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ብትኽክል ንኽትመሃሩ፡ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ክትሳተፉ የድሊ። ትምህርቲ ቋንቋታት ካንቶን በርን ዝተፈላለየ ደረጃታት ዘለዎምን ምስ ህሉው ኩነታት ዝጐዓዙን'ዮም።

ኣቅርቦት/ዕድላት

ኣብ ካንቶን በርን ዕድላት ምምሃር ቋንቋታት ዝኸፍታ ትካላት፡ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ግምት ኣእቲየን የዳልዋ። ገለ ኣቅረብቲ፡ ትካላት ንግዲ ክኾና እንከለዋ፣ ካልኦት ከኣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ወይ መንግስታውያን'የን። ፊደላት ላቲን ዘይተማህሩ ሰባት ኣብ ትምህርቲ ምጥፋእ መሃይምነት(Alphabetisierungskurs | Cours d'alphabétisation) ክምሃሩ ይከኣል። ቅድሚ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ምስታፍኩም፡ ንዓይነትን ዋጋን እቲ ትምህርቲ ሓብሬታ ክህልወኩም ኣለዎ። ህጻናት ንዘለወን ኣዴታት ዝወሃብ፡ ንኣደን ህጻንን ቋንቋ ዘምህር፡ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ'ውን ኣብ ብዙሕት ምምሕዳር ከባቢታት (MuKi-Deutsch | Cours de français mère-enfant) ኣሎ። መወከሲ ቦታታት/ንቁጣታት ምውህሃድ ካንቶን (AI) (Ansprechstellen Integration | antennes d'intégration) ወይ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር፡ ከባቢ ብዛዕባ እዞም ቀረባት ሓበሬታ ይዝርግሑ።

ደረጃ ምልከት ቋንቋ

ከም መምዘኒ ደረጃታት ምልከት ቋንቋታት ጀርመንን ፈረንሳን፡ ን"ኤውሮጳዊ ሓባራዊ መወከሲ" (GER) ይጥቀመሉ። ሽዱሽተ ብቅደም ተኸተል ዝስርዑ ደረጃታት ምልከት ቋንቋ፡ ካብ መባእታዊ ወይ መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ጀርመን ወይ ፈረንሳ "A1"፡ ክሳብ C2 (ኣዝዩ ዝነኣድ ምልከት ቋንቋ) ተባሂሎም ይስርዑ። ደረጃታት ምልከት "A1" ን "A2"ን፡ መሰረታዊ ደረጃ ኣፍልጦ ቋንቋታት ጀርመን ወይ ፈረንሳ እዮም ዝበሃሉ። እቶም ተቀባልነት ዘለዎ ሞያዊ ስልጠና ክወስዱ ዝደልዩ፡ ደረጃ ምልከት ቋንቋኦም "B1" ወይ "B2" ክኸውን ኣለዎ። ደረጃ ምልከት "C1" ን "C2"ን፡ ንልዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከም ዩኒቨርሲቲ ዝኣመሰለ ንኽትመሃሩ ክማላእ ዘለዎ'ዩ።

መርጋገጺ ክእለት ቋንቋ

ቋንቋ ወጻኢ ዝዛረቡ ስደተኛታት፣ ዜግነት ንኽወሃቦም፡ መንበሪ ፍቓድ ንኽሕደሰሎም ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም ወይ'ውን ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ንኸሳልጡ ክእለት ሃገራዊ ቋንቋኦም ከረጋግጹ ኣለዎም።

ምወላ ወጻኢታት መምሃሪ

ወጻኢታት መምሃሪ ቋንቋ እቶም ዝመሃሩ ባዕሎም ክሽፍንዎ ይግባእ። ንነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዘድሊ ክፍሊት ስለ ዝፈላለ፡ ንዘሎ ኣቅርቦት ምንጽጻርን ዘዋጽእ ምምራጽን ኣገዳሲ'ዩ። እንተኾነ ገለ ገለ ስልጠናታት፡ ብካንቶን በርን ወይ ብቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ/ከባቢ ስለ ዝምወሉ፡ ብተዛማዲ ርትዓውያን'ዮ።