መንበሪ ፍቓድ

ኣብ ስዊዘርላንድ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንኽትነብር ወይ ንኽትሰርሕ ፍቓድ የድሊ። ፍልልይ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ናይ መንበሪ ፍቓድን ከምኡውን ናይ መሰፈሪ(መዕረፊ) ፍቓድን ኣሎ።

ዝተፈላለየ ዓይነት ፍቓድ

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ትጸንሕሉ እዋን ዝሰርሕ ወይ ኣብዚ ንልዕሊ 3 ወርሒ ዝጸንሕ(ዝቕመጥ) ዝኾነ ሰብ ፍቓድ የድልዮ እዩ። መንበሪ ምምሕዳር ከተማ( ከባቢ) ዳርጋ ንኹሉ እቲ ብዛዕባ መንበሪ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝለዓል ሕቶታት ብቐዳምነት ዝሕተተሉ ቦታ እዩ። መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘመልከትክሞ ናብ ኣገልግሎት ኢምግሬሽን ይልእኾ። ድሕሪኡ ኣገልግሎት ኢምግሬሽን ብዛዕባ እቲ ዘመልከትክሞ ሕቶኹም ይውስን። ፍልልይ ኣሎ ኣብ መንጎ ናይ ሓጺር እዋን ናይ መንበሪ ፍቓድ (ክሳዕ 1 ዓመት) ናይ መንበሪ ፍቓድ (ከከም ዜግነቶም ን 1 ዓመት ወይ ን 5 ዓመት ጥራይ ዝተሓጽረ) ከምኡውን ናይ መዕረፊ ፍቓድ (ንዘይተወሰነ) ከምኡውን ናይ ዶብ ሰገርቲ ናይ ምጉዕዓዝ ፍቓድ።

  • ናይ ሓጺር እዋን መንበሪ ፍቓድ ኤል (L) (Ausweis L | livret L)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ነቶም ንእተወሰነ እዋን(መብዛሕትኡ ግዜ 1 ዓመት) ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ሰባት እዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ (EU-/EFTA) ካብ 3 ወርሒ ክሳዕ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ውዕል (ስራሕ ርክብ) ከም ዘለዎም ከረጋግጹ ዝኽእሉ፡ ነዚ ፍቓድ እዚ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
  • መንበሪ ፍቓድ በ(B) (Ausweis B | livret B)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ነቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሑ ሰባት እዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ ( EU/EFTA) ኣብ ስዊዘርላንድ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይሰርሑ ከም ዘለዉ ክረጋግጹ (Arbeitsvertrag | contrat de travail) ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም እዚ መሰል እዚ ኣለዎም። እዚ ፍቓድ ንዜጋታት ኤውሮጳ/ኤፍታ(EU/EFTA) ን5 ዓመት እዩ ዝወሃብ። ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጹ ሰባት እቲ ግቡእ እዋን 1 ዓመት እዩ። ድሕሪኡ ተወሳኺ ግዜ ንክናዋሕ ክሕተት ኣለዎ። እዚ ምንዋሕ እዚ ምስ ኩነታት እቶም ሰባት ክተሓሓዝ ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት ምስ ናይ ጀርመን ኮርስ ምክፋል። ገለ ምኽንያታት ንኣብነት ጽግዕተኛ ማሕበራዊ ሓገዝ እንተኴንካ ወይ ገበን እንተ ኣለካ(ፈጺምካ) ነዚ ናይ ምንዋሕ መሰል ክዕንቅጸካ ይክእል እዩ። ከምኡውን ንዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት B(ቢ) መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም እዩ።
  • ናይ ስዊዝ መንበሪ ወረቐት/መዕረፊ (መስፈሪ)ፍቓድ ሲ(C) (Ausweis C | livret C)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ን 5 ወይ 10 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ (ምንባር) እዩ ዝወሃብ። ኣብዚ እውን ን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ ( EU/EFTA) ን ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነት ይሕተት እዩ።


ዓይነት ፍቓድ ንሓተቲ ዑቕባ (ኣሳይለም)፡

  • ሓተቲ (ደለይቲ) ዑቕባ (N-Ausweis | livret N)
  • ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ወጻእተኛታት (F-Ausweis | livret F)
  • ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ስደተኛታት (F-Ausweis | livret F)
  • ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት (B-Ausweis | livret B)

መንነት ወጻእተኛ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ናይ ወጻእተኛ ካርድ መንነት ይቕበሉ(ይወሃቦም)። ዓይነት መንነት ካርድ ኣብ ዝተፈላለየ መለክዒታት እዩ ዝምርኮስ። ናይ ክረዲት ካርድ ዝመስል መንነት ካርድታትን ናይ ወረቐት መንነት ካርድታትን(ባዮሜትርያዊ ዘይኮነ ናይ ወጻኢ መንነት ካርድ)ኣለዉ (Nicht biometrischer Ausländerausweis, Nicht biometrischer Ausländerausweis|Titre de séjour non biométrique)። ገሊኦም ሰባት ባዮሜትርያዊ መንነት ወጻእተኛ ካርድ ይቕበሉ(ይወስዱ) እዮም። እዚ መንነት ካርድ ናይ ሓበሬታ ቺፕ(Datenchip)፡ ኣሰር ኣጻብዕቲ፡ ናይ ገጽ ስእሊን ፊርማን ዘለዎ ኮይኑ ስእሊ ይምዝገብ።። ዝምልከቶም ሰባት ካብ ኣገልግሎት ስደተኛታት ናይ ቆጸራ ዕድመ ክረኽቡ እዮም። ብድሕሪኡ ባዮሜትሪክ ሓበሬታኦም ብካንቶን በርነ ኣገልግሎት ፓስፖርትን መንነት ወረቐትን ክምዝገብ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ባዕሎም ቆጸራ ክገብሩ ኣለዎም። ኩሉ ናይ መንነት ካርድታት ካብ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ክውሰድ ይከኣል እዩ። እቲ ናይ መንነንት ካርድ እንተ ተሰርቑ ወይ እንተ ጠፊኡ ብኡንብኡ ናብ ፖሊስ ክትነግር(ክተመልክት) ኣሎካ።

ምንዋሕ ፍቓድ

ከከም ዓይነት መንበሪ ኩነታትን(ፍቓድን) ዜግነትን እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ እተፈላለየ እዋን ክሕደስ ኣለዎ። ምንዋሕ ኣድላይ እንተ ኾይኑ ቅጥዒ/ፎርም (ናይ መወዳእታ መዘኻኸሪ/መጠንቀቕታ) ክለኣኸልካ እዩ። እዚ ቅጥዒ እዚ እቲ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳኡ እንተ ወሓደ ቅድሚ 2 ሰሙን ምስ ግቡእ ፓስፖርት ናብ መንበሪ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ክወሃብ ኣለዎ። መንበሪ ምምሕዳር ከተማ(ከባቢ) ነቲ ዘመልከትክሞ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዝሒ ህዝቢ (ABEV | OPOP) ይልእኮ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ንክናዋሕ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ዘማልአ እንተ ኾይኑ ይምርምር። ገለ ሕቶታት እንተ ኣልይኩም በጃኹም ምስ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ ወይ ምስ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዝሒ ህዝቢ (ABEV | OPOP) ተራኸቡ።