ናይ ጥዕናን ሓደጋን መድሕን

ዝኾነ ኣብ ስዊዝ ዝነብር ናይ ሓደጋን ጥዕናን መድሕን ግድን ክህልዎ ይግባእ/ኣልዎ። እዘን ናይ ብሕቲ መድሕን ኣብ ግዜ ሓደጋ፡ ሕማም ወይ ጥንሲ ንትገብሮ ወጻኢታት ይሽፍንኦ። እተን ክልተ ዓይነት መድሕን ናብ ስዊዝ ድሕሪ ምእታውካ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፍጸማ/ክሳለጣ ኣለዎን።

መድሕን ጥዕና (መሰረታዊ መድሕን)

ኵሎም ተቐማጦ/ነበርቲ ስዊዘርላንድ ግድን ናይ ጥዕና መድሕን ባዕሎም ክገብሩ/ክፍጽሙ ኣለዎም (Grundversicherung | assurance de base)። ትካላት መድሕን ጥዕና ንዅሎም እቶም ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ሰባት ክቕበለኦም ኣለወን። ዝኾነ ናብ ስዊዝ ዝግዕዝ መድሕን ንምግባር ሰለስተ ወርሒ ግዜ ኣሎዎ። ኣብዚ እዋን እዚ እንተ ሓሚምኩም ወጻኢታትኩም ካብ ድሕሪት ኩሉ ይኽፈለልኩም/ይምለሰልኩም። መሰረታዊ መድሕን ካብ ሓያሎ ናይ ብሕቲ ትካላት መድሕን ጥዕና ክትረኽቡ ትክእሉ (Krankenkassen | caisses-maladies privées)። ምርጫ መድሕን ጥዕና ናጻ እዩ። ትካላት መድሕን ጥዕና ንዅሎም ነበርቲ ስዊዘርላንድ ግድን ክቕበለኦም ኣለወን። መድሕን ዝኣተዉ ሰባት ወርሓዊ ኽፍሊት መድሕን ይኸፍሉ። እዚ ወርሓዊ ኽፍሊት መድሕን ከከም ትካላት መድሕንን ሞደል መድሕንን ስለዝፈላለ ነቲ ቀረብ ኽፍሊት ከነወዳድሮ ትርጉም ኣለዎ። መድሕን ጥዕና ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ክትቅይር ይከኣል (ኣብ ሕዳር)። መሰረታዊ መድሕን ንወጻኢታት ሕማም ጥራይ ዘይኰነስ ንጥንስን ሕርስን እውን ይሽፍን እዩ። ኣገልግሎት/ጥቕምታት መድሕን ብሕጊ እዩ ዝመሓደር። ኣስተውዕል፥ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ ወይ መነጸር መብዛሕትኡ ግዜ ብዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ።

መድሕን ሓደጋ

ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 8 ሰዓታት ዝሰርሑ እንተ ዀይኖም ኣስራሒኦም ንኣብ እዋን ስራሕን ዕረፍትን ዘጋጥሞም ሓደጋታት ዝኸውን መድሕን ብኡንብኡ /ኣውተማቲክ ይውድኣሎም/ይህቦም። እቶም ውሑድ ሰዓታት ዝሰርሑ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ንዘጋጥሞም ሓደጋ መድሕን ኣይረኽቡን እዮም፡ ንግዜ ሓደጋ ዝኸውን መድሕን ባዕሎም ክሓስብሉ/ክውድእዎ ኣለዎም። እዚ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕትካል ዘለዎም ኰነ ኩሎም ስራሕ ዘይብሎም ሰባት እውን ይምልከት እዩ። ስራሕ ዘይብልኩም ሰባት ምስ ትካል ናይ መድሕን ጥዕናኹም ብዕልኹም ናይ ሓደጋ መድሕን ክትፍጽሙ ኣለኩም። ናይ ገዛእ ርእስኹም ስራሕ ዘለኩም ምስ ካልኦት ትካላት መድሕን ናይ ሓደጋ መድሕን ክትኣትው ትኽእሉ ኢኹም። እቶም መድሕን ዝኣተኹም ሰባት ወርሓዊ ክፍሊት(ፕሪሚየም) ክትከፍሉ ኣለኩም። ናይ ሰራሕተኛታት ካብ ደሞዞም ብቐጥታ እዩ ዝቑረጽ ።

ወርሓዊ ክፍሊት(ፕሪሚየም) ምጉዳል

እቶም ወርሓዊ ክፍሊት ናይ ጥዕና መድሕን (ፕሪሚየም) ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሰባት ንመሰረታዊ መድሕን ዝኸውን ምጉዳል ክፍሊት ክግበረሎም መሰል ኣለዎም (Prämienverbilligung | réduction de primes d'assurance-maladie)። ምጉዳል ዋጋ ምእንቲ ክትረኽቡ ዓመታዊ ክሳዕ 31 ታሕሳስ ክትሓቱ፨ክተመልክቱ ኣለኩም። እዚ እንተ ጸዲቕልኩም ንዓመትኡ ዝወሓደ ወርሓዊ ክፍሊት (ፕሪሚየም)ክትከፍሉ ትኽእሉ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን/ድሕነት ብዛዕባ እቲ ምጉዳል ወርሓዊ ክፍሊት(ፕሪሚየም)ሓበሬታ ይህብ ንሕቶኹምማመልከቻ ምዝገባኹም ድማ ብኢንተርነት ይቕበሎ ።

ተወሳኺ መድሕን ንመሰረታዊ መድሕን

ነቲ ግዴታዊ መሰረታዊ መድሕን ንምድጋፍ ዝተፈላለየ ተወሳኺ መድሕን ብወለንታ/ድሌት ክእቶ ይከኣል እዩ (Zusatzversicherungen | assurances complémentaires)። እዚ ነቲ ብመሰረታዊ መድሕን ዘይሽፈን ኣገልግሎታትጥቕምታት ዝሽፍን ኢዩ። ንኣብነት ንከም ሕክምና ስኒ ዝኣመሰለ ። ዳርጋ ኩለን ትካላት መድሕን ጥዕና ተወሳኺ መድሕን ይህባ እየን። ትካላት መድሕን ጥዕና ንሓደ ሰብ መድሕን ክህብኦን ዘይክህብኦን ባዕለን ይውስና፡ ገለ ቅድመ ኹነት ውን ክገብራከቐምጣ ይኽእላ እየን።