ንዲፕሎማ ኣፍልጦ/ተቐባልነት ምሃብ

ኣብ ስዊዝ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማታትን ዲግሪታትን ኩሉግዜ ቅቡላት ኣይኮኑን። ይኹን እምበር ኣብ ገለ ኩነታት ዲፕሎማ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ንገለ ሞያታት ዲፕሎማኻ ኣፍልጦ ክተውህቦ ግድን እዩ።

ኣፍልጦ ምሃብ ንዲፕሎማ

ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ዘለዎም ሰባት ኣብ እተወሰነ ኩነታት ንዲፕሎምኦም ተቐባልነቱ ከረጋግጹ ኣለዎም። እዚ ኣፍልጦ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ወይ ዲግሪ ምስ ዲፕሎማ ወይ ዲግሪ ናይ ስዊዘርላንድ ዳርጋ ማዕረ ምዃኑ የረጋግጽ። ነቶም ብሕጊ/መምርሒ ዝተወሰኑ ሞያታት (ንኣብነት ኣለይቲ ሕሙማት፡ መምህራን....ወዘተ) ተቐባልነት ዲፕሎም ኣድላይ እዩ ከም ሞያ ንክትነጥፈሎም ። ዝተፈላለያ ትካላት(ወኪላት)ንዝተፈላለየ ሞያ ወይ ስልጠና ተፈላጥነት ንምሃብ ሓላፍነት ኣለዎን። ኣፍልጦ ምሃብ የኽፍል እዩ (ብነጻ ኣይኮነን)። ሓፈሻዊ ሕቶታት ብዛዕባ ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ኣፍልጦ ምሃብ ዝምልከት ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ትምህርትን፡ ምርምርን ምህዞን (Staatssekretariat für Bildung, Forschung und Innovation SBFI | Secrétaire d'État à la formation, à la recherche et à l'innovation SEFRI) ሓላፍነት ኣለዎ።

ምርግጋጽ ደረጃ (ንምስክር ወረቐት)

ን ብሕጊ(መምርሒ) ዘይተወሰኑ ሞያታት ኣብ ስዊዘርላንድ ንምስራሕ ኣፍልጦ ምሃብ ንዲፕሎማ ወይ ንዲግሪ ኣየድልን እዩ። ነዞም ሞያታት ናይ ደረጃ ምስክር ወረቐት ክወሃቦም ክሕተት ይከኣል እዩ (Niveaubestätigung | Attestation de confirmation de niveau)። እዚ ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ስዊዘርላንድ ዘለዎ ቦታ(ዋጋ) የርኢ ። እዚ መረጋገጺ እዚ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ። ብዛዕባ መረጋገጺ ደረጃ ዝገልጽ ሓበሬታ ካብቲ ንዲፕሎማ ኣፍልጦ ዝህብ ሃገራዊ ትካል ክርከብ ይከኣል እዩ(Nationale Kontaktstelle für Diplomanerkennung | Point de Contact national pour la reconnaissance de diplômes) ወይ ካብ ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን ክርከብ ይከኣል እዩ BIZ (Berufsberatungs- und Informationszentren BIZ | Centres d'orientation professionnelle OP)።

ብቕዓት ሞያ ኣማዕብል (ንዝዛዘምካዮ ሞያ)

ናይ ስራሕ ተመክሮ ዘለዎም ኣባጽሕ(ዓበይቲ) ግን ከኣ ተፈላጥነት ዘይብሉ ዲፕሎማን ዲግርን ዘለዎም ኣብ ስዊዘርላንድ መሰረታዊ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ዝለዓለ ናይ ሞያ ስልጠና(ትምህርት) ከማዕብሉ/ደጊሞም ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ ጽቡቕ ፍልጠት ቋንቋ ጀርመንን ፈረንሳን ቀንዲ ረቛሒ እዩ። (ደረጃNiveau B1/B2 nach GER). ግዱሳት ንኣብነት ካብ ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን BIZ (BIZ|OP) ብዘይ ክፍሊት ሓበሬታን ምኽርን ክትረኽቡ ትኽእሉ። እቶም ናይ ሞያ ትምህርትኹም ዘማዕበልክሞ(ዝደገምኩሞ) ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለኩም ዕድል ይመሓየሽ፡ ንተወሳኺ ስልጠና እውን መእተዊ ትረኽቡ።