ምእታው ናብ ስራሕ ዓለም

ዝኾነ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ክሰርሕ ወይ ትካል ክምስርት ዝፍቀደሉ ኣብ ዜግነቱን ምኽንያት መምጺኡ ንስዊዝን ይምርኮስ። ዝዀነ ዀይኑ ሰራሕተኛታት ኣብ ማሕበራዊ ድሕነት ክምዝገቡን ግብሪ ክኸፍሉን ይግበኦም።

ናይ ስራሕ ፍቓድ

ሕቶ ብዛዕባ ፍቓድ ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ምሃብ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝውዳእ። ከም ንቡር ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል መንበሪ ዘለዎም ሰባት ክሰርሑ'ውን ይፍቀደሎም እዩ ። ከከም ዜግነቶምን ንውሓት ስርሖምን ኣስራሕቲ ወይ ሰራሕተኛታት ፍቓድ ክወሃቦም ይሓቱ። ርግጸኛ እንተ እንተዘይኴንኩም ሓንቲ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት ክሕግዛኹም ይኽእላ እየን። እዘን ኣብያተ ጽሕፈት ነቶም ገና ኣብ ስዊዘርላንድ ዘይነብሩን እንተኾነ ግን ኣብዚ ክሰርሑ ዝደልዩን ሰባት እውን ምኽሪ ይህባ እየን። ካብ ዓመተ 2019 ኣትሒዙ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት (መንበሪ ፍቓድ B)፡ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኮይኖም ግን ከም ስደተኛታትን ዘይስደተኛታትን ዝተፈልጡ (መንበር ፍቓድ F)፡ ፍሉይ ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ። ግን መጀመርታን መወዳእታን ናይ ነፍስ ወከፍ ስራሕ ብወግዓዊ ፎርም(ቅጥዒ) ናብ ካንቶን ክቐርብ ኣለዎ። (ግዴታዊ መፍለጢ | Meldepflicht | Procédure d'annonce). ንጉዳያት ስራሕኩም እቲ እትሰርሕሉ ካንቶን ተሓታቲ እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ብዘይክፍሊት እዩ ። ሓተቲ ዑቕባ (መንበሪ ፍቓድ N) ንክሰርሑ ፍቓድ የድልዮም እዩ ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል/ ናይ ብሕትኻ ትካል

ዝኾነ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል(ስራሕ) ክጅምር ዝኽእል ኣብ ዜግነቱን መንበሪ ፍቓዱን ይምርኮስ። ካብ ሃገራት ኣውሮጳ (EU/EFTA) ዝመጹ ሰባትን ናይ ስዊዝ መንበሪ ፍቓድ "C" ዘለዎም ሰባትን ትካል ክምስርቱ ዝቐለለ እዩ። ንትካልኩም ኣብ እትነብርሉ ከባቢ ምምሕዳር ክተምዝግቦዎ ኣለኩም። ካብ ሃገራት ኣውሮጳ (EU/EFTA) ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ግን ኣቐዲሞም ናብ ቤት ጽሕፈት ቍጠባዊ ጕዳያት ብጽሑፍ ከመልክቱ ኣለዎም። ኣገልግሎት ኢምግሬሽን (Migrationsdienst | Service des migrations) ስደተኞታት ትካል ክምስርቱ ዝከኣል እንተ ዀይኑ ሓበሬታ ይህብ እዩ። ብናይገዛእ ርእስኹም ትካል ክትመሓደሩ ምስትደልዩ፡ ኣብ "AHV" ናይ ካሕሳ ገንዘብ ፡ ናይ ስድራቤት ካሕሳ ገንዘብን፡ እንተ ተኻኢሉ እውን ኣብ ናይ ሓደጋ መድሕንን ናይ እስትሕጋግ ገንዘብን ክትምዝገቡ ኣለኩም።

ዘይሕጋዊ(ጸሊም) ስራሕ

ዝዀነ ዝኽፈሎ ስራሕ ንዝምልከቶም ሰበስልጣን ክሕበር ኣለዎ ። ዝዀነ ዝሰርሕ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ድሕንነት ዘይተመዝገበን ፍቓድ ስራሕ ዘይብሉን ወይ ግብሪ ኣታዊታቱ ዘይከፊል፡ ብሕጊ የቅጽዕ እዩ። እዚ ዘይሕጋዊ(ጸሊም) ስርሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ (Schwarzarbeit | travail au noir)። ጸሊም ስራሕ ንኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ሕጋዊ ሳዕቤን ኣለዎ ። ብዘይካዚ'ውን ጸሊም ስራሕ ዝሰርሑ፡ ናይ ሽቕለት ኣልቦነትን (Arbeitslosigkeit | chômage)፡ ናይ ሓደጋ ወይ ስንክልና መድሕን ኣይረኽቡን እዮም። ናይ ጡረታ መልዕሎ (AHV | AVS) እውን የብሎምን። ኣስራሕትኹም ብግቡእ ከም ዘየስርሕኹም ትኣምኑ እንተ ኴንኩም ብዘይ ክፍሊት ናብ ዝወሃብ ማእከል ሕጋዊ ምኽሪ ክተመልክቱ ኣለኩም (Rechtsberatungsstelle | bureau de conseil juridique)።

ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት(ኣባጽሕ)

ብመሰረቱ መንእሰያት ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ጥራይ እዮም ክሰርሑ ዝፍቀደሎም። ይኹን እምበር ብውሕድ ደረጃ (ንኣብነት፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ) ፈኲስ ስራሕ ክሰርሑ ፍቑድ እዩ። ወለድን ኣስራሕትን፡ መንእሰያት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ከይሰርሑ ክከታተሉ ኣለዎም። ፍሉይ ሕጊ ሸቕሊ(ስራሕ) ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም መንእሰያት እዩ ዝምልከት ።