ሞያዊ ትምህርቲ(ስልጠና) / ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ/

ግድነታዊ(መሰረታዊ) ትምህርቲ ምስ ተማህሩ(ወድኡ) መብዛሕትኦም መንእሰያት መሰረታዊ ሞያዊ ስልጠና(ትምህርቲ) ክቕጽሉ ይመርጹ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ ንዝደልዩ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ካልኣይ ደረጃ ማትሪክ ክፍተኑ(ክገብሩ) ኣለዎም። እዚ ኸኣ ምስ ናይ ሞያዊ ስልጠና(ትምህርቲ) እውን ክግበር ይከኣል እዩ።

ኣገዳስነት ስልጠና

ኣብ ስዊዝ ጽቡቕ ትምህርትን ሞያ ዘለዎ ቦታን(ሂወት) ኣዝዩ ኣገዳሲ ትርጉም ኣለዎ። መንእሰያት ግዴታዊ ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ንሞያኦም ጽቡቕ ናይ መበገሲ ቦታ ምእንቲ ኽህልዎም ዝተፈላለየ መገድታት (ኣማራጺታት) ተኸፊቱሎም ኣሎ (ካልኣይ ደረጃ/ሃይ ስኩል)። ብዘይ ተወሳኺ ስልጠና(ትምህርቲ) ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን Die Berufsberatungs- und Informationszentren (BIZ | OP) ንመንእሰያትን ወለድን ብዛዕባ ትምህርትን ተወሳኺ ስልጠናን ብናጻ ምኽሪ ይህብ እዩ። ነዚ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ምምሕዳር ካንቶን፡ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃን ቤት ጽሕፈት ሞያዊ ስልጠናን እዩ (Mittelschul- und Berufsbildungsamt| Office des écoles moyennes et de la formation professionnelle)።

ሞያዊ መሰረታዊ ስልጠና

ግዴታዊ(መሰረታዊ) ትምህርቲ ምስ ተማህሩ(ወድኡ) መብዛሕትኦም መንእሰያት ሞያዊ ስልጠና ክቕጽሉ ይመርጹ (Berufslehre | Apprentissage)። ኣብ ሞያዊ ስልጠና መንእሰያት ነቲ ኣብ ሓደ ትካል ዘሎ ሞያ ብግብራዊ ክእለት ይመሃሩ ከምእውን ኣብ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ክልሰሓሳብ(ትዮሪ) እውን ይመሃሩ እዮም። ንክመርጹ ልዕሊ 250 ሞያታት ኣለዉ። ምያዊ ስልጠና(ትምህርቲ) ካብ 2 ክሳዕ 4 ዓመት ይወስድ። መንእሰያት ኣብ ሓደ ትካል ሞያዊ ስልጠና ባዕሎም ክደልዩ(ከናድዩ) ኣለዎም። እቲ ምድላይ ካብተን ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ግዴታዊ ትምህርቲ እዩ ዝጅምር። ቤት ትምህርቲ ንመንእሰያት ዝሕግዞም እኳ እንተ ኾነ ኣብ ደገፍ ወለዶም እውን ይምርኮሱ እዮም። ከምኡውን ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን Die Berufsberatungs- und Informationszentren (BIZ | OP) ንመንእሰያት እተፈላለየ ኣገልግሎት ይህቦምን ብናጻ የማኽሮምን እዩ። ሞያዊ ስልጠና ዝወድኡ መንእሰያት'ውን ኣብ እዋን ሞያዊ ስልጠና ወይ ድሕሪ ሞያዊ ስልጠና ሞያዊ ሰርቲፊኬት (ባካልዮሬት) (Berufsmaturität | Maturité professionnelle) ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ሞያ ባካልዮሬት (ሰርቲፊኬት) ዩኒቨርሲቲ ስነ ፍልጠት(Fachhochschule | haute école spécialisée) ንኽትረክብ የኽእል።ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ብዙሓት ሞያታት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ(ሃይስኩል) ንኽትውድእን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኽተጽንዕን ኣየድልን እዩ ።

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ(Mittelschulen|Ecoles moyennes) ሰፊሕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ይህባ። እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ንተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ወይ ዩኒቨርሲቲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠት (Fachhochschulen | Hautes écoles spécialisées) ንዝወሃብ ኣካዳምያዊ ስልጠና(ትምህርቲ) የዳልዎኦም። ኣብ መንጎ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ብናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ሰርትፊኬት ማለት ግምናዝያለ ማቱሪታት (gymnasiale Maturität | maturité gymnasiale) እተዛዘመን ብናይ ሞያ ሰርትፊኬት ማለት ፋኽ ወይ በሩፍስ ማቱሪታት (Fach - oder Berufsmaturität | maturité professionnelle) እተዛዘመን ፍልልይ ኣሎ። እቲ ናይ ግምናዝያለ ማቱሪታት(ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ሰርትፊኬት) ብዘይ መእተዊ መርመራ ናብ ዩኒቨርሲቲታት ንኽትኣቱ የኽእል። እቲ ናይ ፋኽ ወይ በሩፍስ ማቱሪታት(ናይ ሞያ ሰርትፊኬት) ብዘይ መእተዊ መርመራ ናብ ዩኒቨርሲቲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠት ንኽትኣቱ የኽእል። ይኹን እምበር ዩኒቨርሲቲታት ግብራዊ ስነፍልጠት ነቶም ግምናዝያለ ማቱሪታት(ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀ ቒ ፈተና ሰርትፊኬት) ዘለዎም ሰባት እውን ክፉት እዩ፡ ዩኒቨርሲቲታት እውን ነቶም ናይ ፋኽ ወይ በርዩፍስ ማቱሪታት (ናይ ሞያ ሰርትፊኬት) ዘለዎም ሰባት (ብመእተዊ መርመራ) ክፉት እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ተወሳኺ መዐቀኒ ብቕዓታት ኣሎ።

መሰጋገሪ ድልድል ኣቕርቦታት

መሰጋገሪ መደባት ግድነታዊ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ከም መደባት ግዝያዊ ፍታሕ እዩ (Brückenangebote | Solutions transitoires)። ዕላምኡ ነቶም ገና ሞያዊ ስልጠና ዘይረኸቡ ወይ ንሞያዊ ስልጠና ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝሓሸ መገዲ ኽዳለዉ ንዝደልዩ መንእሰያት እዩ። ግድነታዊ ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ናብ ስዊዝ ዝኣተዉ ወይ ዝመጹ መንእሰያት እውን ኣብ መደባት መሰጋገሪ ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናብ ስራሕ ዓለም ንምእታው እዩ። መሰጋገሪ መደባት ንመንእሰያት ፕራክቲኩም(መለማመዲ ሞያ) ወይ ሞያዊ ስልጠና ንኽረኽቡ ይሕግዝ። ተገዳስነት ዘለዎም ምስ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ካንቶን በርን ዝርከብ መሰጋገሪ መደባት ወይ ምስ ናይ ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን (BIZ | OP) ክራኸቡ(ክውከሱ) ኣለዎም።