ዩኒቨርሲቲታት / ዩኒቨርሲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠት

"ስዊዘርላንድ ሰለስተ ዓይነት ዝለዓለ ትምህርቲ ኣለዋ፡ ዩኒቨርሲቲታት፡ ዩኒቨርሲታት ትምህርቲ ንምምህርና፡ ዩኒቨርሲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠትን። ብናይ ወጻኢ ካልኣይ ደረጃ ምስክር ወረቐት(ባካልዩሬት) ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ብቐጥታ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክትሓትት ኣሎካ።"

ላዕለዋይ ደረጃ ስርዓተ ትምህርቲ

ዩኒቨርሲታት(ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ) ስዊዘርላንድ ኣብ ዩኒቨርሲታት፡ ፈደራላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ተክኖሎጂ፡ ዩኒቨርሲታት ትምህርቲ ንምምህርና፡ ዩኒቨርሲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠትን ተመቒሉ ኣሎ (Tertiärstufe | Degré tertiaire)። ኣብ ዩኒቨርሲታት ግብራዊ ስነ ፍልጠት ምምሃር ኣብ ግብሪ(ልምምድ) ዘተኰረ እዩ፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ምምሃር ዝያዳ ኣብ ክልሰ ሓሳብ ዘተኰረ እዩ። እዘን ዓይነት ኣብያተ ትምህርቲ ማዕረ ደረጃ ኣለወን ብመሰረት ስርዓተ ኣውሮጳዊ ቦሎኛ ድማ ተሃኒጸን (ተወዲበን)። እዚ ድማ በቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ተፈላጥነት ዝረኸበ ናይ ባችለር ወይ ማስተር ዲግሪ እዩ ዝዛዘም።

መእተዊ (ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ)

ከከም ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ) ዝተፈላለየ ንመእተዊ ዘድሊ ረቛሒታት ይስርሓሉ። ናይ ስዊዘርላንድ ምስክር ወረቐት (ባካልዩሬት/ማቱራ) ናብ ዩኒቨርሲቲታት ክትኣቱ ውሕስነት ኣለዎ። ናይ ወጻኢ ምስክር ወረቐት (ባካልዩሬት/ማቱራ) ኣብ ኩሉ መዳያት ኣይፍልጡን(ኣይቅብሉን) እዩ። ኣብ ዩንቨርሲቲ ምእንቲ ክትኣቱ ብቀጥታ ናብቲ ክትመሃረሉ(ክተጽንዓሉ) እትደሊ ዝለዓለ ትምህርቲ(ዩኒቨርሲቲ/ዩኒቨርሲቲ ግብራዊ ስነ ፍልጠት) ከተመልክት(ክትሓት) ኣሎካ። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ኣዝዩ ጽቡቕ ናይ ጀርመን ወይ ናይ ፈረንሳይ ክእለት የድሊ። ካብዚ ብዝተፈልየ ኣብ ገለ ብእንግሊዝ ምሉእ ብምሉእ ዝቐርብ ዓይነት መደባት ትምህርቲ(መጽናዕቲ) እውን ኣሎ። እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት በርን (ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ) ዝርከብ ማእከል ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ(Tertiärstufe | degré tertiaire) ክህሉ ዝኽእል ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ብናጻ ሓበሬታ ይህብ።

ዝለዓለ ሞያዊ ስልጠና

ኣብ ርእሲ(ጎድኒ) ዩኒቨርሲቲታት(ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ) ዝለዓለ ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ እትረኽቦ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ህቡብ(ተፈታዊ) መገዲ እዩ። ክኢላታት ክእለቶም ንከመሓይሽዎን ንከዕምቑዎን ከምኡውን ናይ ምምሕዳር ዕዮ ንኽዓዩን የኽእሎም። ዝለዓለ ናይ ሞያ ትምህርትን ስልጠናን ካብ መሰረታዊ ናይ ሞያ ስልጠና (Berufslehre | Apprentissage) እዩ ዝቕጽል(ዝብገስ)። ማእከል ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን (BIZ | OP) ብዛዕባ ዝተፈላለየ ኣመራጺታት ሓበሬታ ይህብ እዩ ።