ንግዳያት ምኽርን ሓለዋን

ዝተፈላለያ ወኪላት ናይ ዘቤታዊ ዓመጽ ግዳያት ይሕግዛ – መብዛሕትኡ ግዜ ምስጢራዉን ካብ ክፍሊት ናጻን። ኣብ ከባቢ ግዳያት ዘለው ሰባት'ዉን ሓገዝ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓደጋ ግዜ

ኣብ ሓደጋ ግዜ፦ ንፖሊስ መጠንቅቕታ ክህቡ (ተሌ 112).

ሓደ ክኢላ ንመስመር ደገፍ ግዳያት ለይትን መዓልትን ይምልስ፦ ተሌፎን 031 533 03 03 / ካብ ሰነ 2026 ተሌፎን 142

ዳያትን ደቆምን ኣብ ውሑስ መዕቆቢ / መጽለሊታት ደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ብዙሓት ቁጽርታት ናይ ሓደጋ ግዜ ተዘርዚሮም ኣለው ኣብዚ።

ምኽሪ ካብ ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe)

እቲ ማእከላት ምኽሪ ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe-Beratungsstellen) ኣብ ስድራኦም ዓምጽ ዘጋጠሞም ሰባት ይመክርን ይሕብርን። እዚ ሓገዝ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ግዳያት ዝቕጽል ስጉምትታቶም ብሓባር ምስ ፍሉይ በዓል ሞያ መደብ ከውጽኡ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ናብ ማእከላት ምኽሪ ደገፍ ግዳያት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ካብዚ ሰዓታት ወጻኢ፡ መስመር ተሌፎን ደገፍ ግዳያት ሓገዝ ይህብ።

እቶም ሰራሕተኛታት ንምስጢራዉነት ተገዛእቲ እዮም። እዚ ማለት ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ንዝኾነ ሰብ ክሕብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ንፖሊስ ዋላ እንተኾነ።

ውሑስ መዕቆቢ – መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ መጽለሊታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ግዝያዊ ሓለዋ፡ መንበሪን ምኽርን ክረኽቡ ይኽእሉ። መእተዊ ብመንገዲ ማእከል ምኽሪ ደገፍ ግዳያት፡ መስመር ተሌፎን ደገፍ ግዳያት ወይ ብፖሊስ እዩ ዝዳሎ።

ኣቀማምጣ እቶም መዕቆቢታት ምስጢራዊ እዩ።

መእተዊ ብመንገዲ ማእከል ምኽሪ ደገፍ ግዳያት፡ መስመር ቴሌፎን ደገፍ ግዳያት ወይ ብፖሊስ እዩ ዝዳሎ። ደቂ ተባዕትዮ እውን በዚ መስርሕ እዚ ሓለዋ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።