ናይ ብሕቲ መድሕን ሓላፍነት

ነፍሲ ወከፍ በጽሒ ናይ ብሕቲ ናይ ሓላፍነት መድሕን ክህልዎ ኣለዎ ። እዚ ኸኣ ብዘይፍላጥ ንሰባት ወይ ንነገራት(ኣቕሓ) እንተ ኣበላሺኻ(የዕኒኻ) ወጻኢታትካ ይሽፍነልካ።

ብሕታዊ ሓላፍነት

ንኻልእ ሰብ እንተ ጎዲእካዮ ወይ ናይ ካልእ ሰብ ኣቕሓ(ነገር) እንተ ኣበላሺኻ(የዕኒኻ) ብገንዘብ ተሓታቲ ኢኻ። ዋላ እውን እቲ ጉድኣት ደይመደይ ኢልካ እንተዘይ ኣጋጠመ (ዘይተበጊሱ'ውን) እዚ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ዝኾነ ሰብ ብቆልዑ ወይ እንስሳታት ገዛ ንዝወርድ(ንዝስዕብ) ጉድኣት ተሓታቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ኣዝዩ ልዑል(ብዙሕ) ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብበረድ ሸተት ክትብል ከለኻ ንሓደ ሰብ እንተ ጎዲእካዮ፡ እቲ ጉዳት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸር ፍራንክ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ብሕቲ ሓላፍነት መድሕን

ሓደ ሰብ ጕድኣት( ዕንወት) እንተ ኣጋጢምዎ ኣብ ቁጠባዊ ጸገማት ምእንቲ ከይኣቱ ናይ ብሕቲ መድሕን ሓላፍነት የድልዮ (Privathaftpflichtversicherung | assurance responsabilité civile privée)። እዚ መድሕን ብመብዛሕትአን ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ይወሃብ እዩ። ናይ ብሕቲ መድሕን ሓላፍነት መብዛሕትኡ ግዜ ንኹሎም ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ክወሃብ ይከኣል እዩ። እዚ መድሕን እዚ ግዴታ ኣይኰነን። ይኹን እምበር ክህልወኩም ብጽኑዕ ንምሕጸን። ብዙሓት ኣካረይቲ(ወነንቲ መሬት) እውን ናይ ሓላፍነት መድሕን ይሓቱ እዮም።

ረብሓታት(ኣገልግሎታት) መድሕን

ናይ ብሕቲ መድሕን ሓላፍነት ንውሕስነት ዝሃቦ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዘስዓቦ ጉድኣት ሰብን ንብረትን ዝሽፍን እዩ። ንኣብነት ወጻኢታት ጽገና፡ ወጻኢታት ሕክምና፡ ካሕሳ ዝጠፍአ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ስቓይን(መከራን) ክጥቀስ ይከኣል እዩ። ናይ ብሕቲ ሓላፍነት መድሕን ነቲ ብሰንኪ ገለ እንስሳታት ዘቤት(ገዛ) ዝወረደ(ዝሰዓበ) ጉድኣት እውን ዝሽፍን እዩ። ኣብ ሓንቲ ቤት ንዝነብሩ ሰባት ጉድኣት እንተ ኣውሪድካሎም ግን ኣይከፍልን እዩ። ደይመደይ ኢልካ ወይ ከቢድ ሸለልትነት ዘስዕቦ(ዘውርዶ) ጉድኣት እውን ኣይሽፍንን እዩ።