ህዝባዊ መጉዓዝያ
ህዝባዊ መጓዓዝያ (ÖV) ኣብ ስዊዘርላንድ ኣዝዩ ኣገዳሲ(ኣድላይ) እዩ። ዳርጋ ኩለን ከተማታት ኣብ ሰዓት ብተደጋጋሚ ክብጽሓ ስለ ዝኽእላ፡ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ እዮም ዝጐዓዙ። እቲ ግዕዞ(ዋጋ) ብተዛማዲ ክቡር እኳ እንተ ኾነ ገንዘብ ክትቁጥበሉ እትኽእል ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ግና ኣሎ። ንኣብነት ናይ ነዊሕ ግዜ ኮንትራት(ኣቦንመንት) ቲኬት ወይ ናይ ሕሱር ዋጋ ቲኬት(Vergünstigungskarte) ምዕዳግ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተዛማዲ ክቡር ዘይኰነ ፍርቂ ዋጋ ኣቦነመንት ተጠቒምካ(Halbtax-Abonnement) ንኣብነት ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ፍርቂ ዋጋ ኢኻ እትኸፍል። ንገሊአን(ውሱናት) ባቡራት ወይ ኣውቶቡሳት ዝኸውን ቁጠባዊ ትኬት (Sparbillette) እውን ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ።